ምስ ናትና ክኢላታት ጉጅለ ግዚያዊ ሰራሕተኛታት ተጸምበሩ
ንሕና አብ ምልላይ አገልግሎታቶም ንቁሃት ዝኾኑ ኢላታት ግዚያዊ ሰራሕተኛታት ነናዲ አለና። ዓወት ናይዚ ትካል አብ ናትኩሞ ንጡፍ ተሳትፎን እታወትን ዝተመርኮሰ እዪ።
ተኽእሎታት ንግዚያዊ ሰራሕተኛታት
ንሕና አብ ምልላይ አገልግሎታቶም ንቁሃት ዝኾኑ ኢላታት ግዚያዊ ሰራሕተኛታት ነናዲ አለና። ዓወት ናይዚ ትካል አብ ናትኩሞ ንጡፍ ተሳትፎን እታወትን ዝተመርኮሰ እዪ።
ምሳና ብምርኻብ
- አባል ናይ ኣማኻሪ ኮሚተ ኣብ CIWA ብምኻን ንምባዕለ ናይ ቓንቓ ሽርክነት አበርክቱ ።
- ናይ ንግድኹም መርበብ አስፍሑ
- ናይ ቓንቓ አገልግሎት መጠን ጠለባት ወስኹ
ግዝያዊ ሰራሕተኛታት ናይ ዝርርብን ጽሑፍን አስተርጎምቲ
ናትና ናይ ልዕሊ 200 ክኢላታት ጉጅለ አብዚ አብ ካናዳ ዝመሰረቶም መበቆላዊ ተዛረብቲ ናይ መላዕ ዓለም ቓንቓታት ኮይኖም ናይ 65 ቓንቓታት ክእለት አለዎም። እቲ ናይ ዝርርብንን ጽሑፍን ክእለቶም ዝያዳ ንክመሐሽን ካናዳዊ ቃና ንክህልዎን ብናትና አብ ካናዳ ዝተሰርሑ ናይ ስልጠና መደባት ከምዑ ዉን ብናይ CILISAT ፈተና ተረጋጊጹ እዩ። ንሕና ሕቡናት መጻምዲ ናይ ማሕበር ደቂኣንስት ካልጋሪ ኢና። እዚ ማሕበር ላዕላይ ናይ ቀጻልነት ዘለዎ ምንጪ ተዉህቦ ጉጅለና እዩ።
ናትና ግዝያዊያን ሰራሕተኛታት ብሓፈሻ ናይ ቓንቓ ምትርጛም ስልጠና መደብ ዝዛዘሙ ፣ ብናይ ባሕላዊ ናይ ምትርጛም አገልግሎት ንማሕበረሰብ (CISOC) ዝተወደበ https://www.cisoc.net/en/ መደብ ንማሕበረሰብ ናይ ምትርጛም ስልጠና ከምዑ ዉን CILISAT (ናይ ናቓንቓ ብቅዓት ፈተና) ዘጠቓለለ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ናትና ዒላ ንዝዉቱርን ዘይዝዉቱርን ዝኾኑ ቓንቓታት ናይ ምትርጛም አገልግሎት ክህቡ ዝኽእሉ ተመኩሮ ዘለዎም ሞያዉያን ተርጎምቲ ዘካተተ እዩ።
Language Venture Freelancers
አክራም ካላኒኪ
አክራም ካላኒኪ ዝለዓለ ናይ እንግሊዘኛ ናብ ፐሪስያን (ፋርሲ) ናይ ማሕበረሰብ ናይ ዝርርብን ጽሑፍን ክኢላ አስተርጛሚት እያ። ንሳ ናይ CLISAT ፈተናን ናይ ህክምናዊ ዝርርብን ጽሑፍን ምትርጛም መደብ ናይ CISOC ዛዚማ እያ። አክራም ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ባዮሎጂን ፊዮሎጅን መምህር ኮይና ንልዕሊ 30 ዓመት ሰሪሓ፣ ብተወሳኺ ድማ ናይ ልዕሊ 20 ዓመት ናይ ምትርጛም ተመኩሮ አብ ካናዳን ኢራንን አለዋ።
ሊና ልዩ
ሊና ልዩ ላዕለዋይ ዝኾነ ናይ ማሕበረሰብ ናይ ጽሑፍን ዝርርብን አስተርጛሚት ኮይና ጽሩይ እንግሊዘኛን ማንደሪንን ትኽእል። ንሳ ናይ ልዕሊ 10 ዓመት ተመኩሮ ናይ ማንደሪን ምምህርና ካብ ቀዳማይን ክሳብ ማዕከላይ ደረጃ ዘለዋ እያ። ንሳ ኩሉ ግዜ ንክትሕግዝ ፈቓደኛ እያ፣ አብ CIWAን አብ ገለ ገለ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ትምህርትታት ናይ ካልጋሪ ወለንታዊ ሐገዛት ትህብ።.
ናዳ ሓሰን
ናዳ ሓሰን ጻዕራምን እምንትን ናይ ማሕበረሰብ ናይ ዝርርብ ተርጛሚትትን ክኢላ ናይ ጽሑፍ ምትርጛምን ኮይና ሀያል ዝኾነ ናይ ርክብን ምሕደራን ክእለት ዘለዋ እያ።. ንሳ ናይ ብዙህ ቓንቓታት ምልከት አለዋ ፣ ጽሩይ እንግሊዘኛ፣ ፍሬንችን ዓረብን ትክእል። ናዳ ተሪር ናይ ባህሊ አይነታት አፍልጦ ዘለዋ ኮይና አብ ግዜ ዝርርብ ናይቲ ተዛራባይ ቃላት ስምዒት፣አገባብን ትሕዝቶን ናይ ምዕቃብ ክእለት አለዋ።
ፎዝያ ፓርቨዝ
ፎዝያ ዝተመስከረላ ናይ ጽሑፍን ዝርርብን ግዝያዊት ሰራሕተኛ አስተርጛሚት እያ። ንሳ ሰፊሕ ዝርገሓ ዘለዎ ማለት ህጋዊ፣ ህክምናዊ፣ ማሕበራዊን ትምህርታዉን ጽሑፍን ዝርርብን ዘጠቃለለ ናይ ምስትርጛም አገልግሎት ተቕርብ። ንሳ ብሰንኪ ናይ ቓንቓ መሰናኽል ክብገሱ ንዝኽእሉ ዓበይቲ ፍልልያት ብምግንዛብ ሰባት ብቑዕ ዝኾነ ርክብ ንክሕልዎም ንምሕጋዝ ትደሊ እያ። እዚ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ድልየታ ብዙሕ ቓንቓታት ንክትመሃርን ኪኢላ ናይ ዝተፈላለዩ ቓንቓታት ማለት፣ ኡርዱ፣ ህንድን ፑንጃቢን ንኽትከዉንን ደፋፊዕዋ።
ያን ቼንግ
ያን ቼንግ (አንጂ) ምኩርቲ ናይ ማሕበረሰብ ናይ ዝርርብ አስተርጛሚት ከምዑ ዉን ናይ ጽሑፍ ትርጉም ኪኢላን ኮይና ምልከት ናይ ቓንቓታት እንግሊዘኛን ማንደሪንን አለዋ። ንሳ አብ ትካል ናይ መድሃኒት ከም ናይ መሸጣ አካያዲት ስራሕ ኮይና ሰሪሓ። ከምዑ ዉን አብ ምዕባለ ንግድን ናይ ስነ ልቦና ሐገዝን ዓሚቕ ትምህርቲ አለዋ።
ያንዲ ፌንግ
ያንዲ ፌንግ ምኩርቲ ናይ ማሕበረሰብ ናይ ዝርርብ አስተርጛሚት ከምዑ ዉን ናይ ጽሑፍ ትርጉም ኪኢላ እዪ። ንሳ ብሉጽ ዓቕሚ ናይ እንግሊዘኛ፣ካንቶነስን ማንደሪንን ከምዘለዋ ብናይ CILISAT መርመራ ተሪጋጊጹ እዪ።
